Wednesday, August 26, 2015

ሓበሬታ መስከረምን ጥቅምቲን 2015





ሓበሬታ መስከረምን ጥቅምቲን 2015
እዚ ሓበሬታ እዚ ንኩሎም ዑቝባ ሓቲቶም መልሲ ንዝጽበዩ ዘለው ኤርትራውያን ዝምልከት`ዩ፡ ዑቝባ ዝተሓተተሉ እዋን መዓስ ከም ዝነበረ ብዘየገድስ። ኣብዚ እዋን እዚ ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ወጻእተኛታት (UDI) ተራእዩ  ንክውሰን ዝጽበ ዘለዎ ጉዳያት ሓተቲዑቕባ ብዝሕ ዝበለ እዩ። መታን ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ወጻእተኛታት (UDI) ከም ዝከኣል መጠን ቀልቱፉ ክዓዪ  እንተድኣ ዀይኑ ተታሓሒዝናዮም ዘልና ጉዳያት ብቐዳምነት ክንሰርዖም ኣለና። ሳዕቤን ናይ` ድማ ምስናይ ይቕረታ ገሊኦም ዜጋታት ክሳብ ጉዳዮም ተራእዩ ዝውዳእ ነዊሕ ክጽበዩ ክግደዱ ብምዃኖም ኢዮም። ኤርትራውያን ከኣ ገለ ካብቶም ጉዳዮም ተራእዩ ንክውዳእ ግድን ነዊሕ ክጽበዩ ዘለዎም ዜጋታት ኢዮም። ስለዚ ድማ ክሳብ ቃልመሕተት ነካይደልካ ቁሩብ ግዜ ክወስድ እዩ። ጉዳይ ሕቶዑቝባኻ ድማ ተረእዩ  ክውሰን እንተድኣ ኮይኑ ግድን ቃልመሕተት ዑቝባ ከነካይደልካ ክንክእል ኣለና። 
ንቃልመሕተት ትጽወዓሉ መዓስ`ዩ፧
ዑቕባ ኣብ 2014 ዝሓተትካ እንተድኣ ኰይንካ፡ ኣብ ውሽጢ መስከረምን መፈለምታ ወርሒ ጥቅምቲን ንቃልመሕተት ክትጽዋዕ ኢኻ።
እንተድኣ ዑቕባ ኣብ 2015 ዝሓተትካ ኰይንካ ድማ፡ ንቃልመሕተት ንክትጽዋዕ ግዜ ትጽቢት ካብቲ ዑቕባ ዝሓተትካሉ እዋን ኣትሒዙ ክሳብ 10 ኣዋር ክወሰድ ይኽእል እዩ።
ሰባት ንቃልመሕተት ምስ እንጽውዕ፡ ስርዓት መ
﷽﷽﷽﷽﷽﷽﷽﷽l foreningen sitte igjm.i sommer, sis er dannet: fire lag, for barn og voksne.gen skylder dem vil foreningen sitte igjስርዕ ንኽተሎ የብልናን። ስለዚ ድማ ንቑሩብ ግዜ ዝተጸበዩ ሰባት ካብቶም ነዊሕ ዝተጸበዩ ሰባት ኣቐዲሞም ንቃልመሕተት ክጽውዑ ይኽእሉ ኢዮም። ወላ እውን ኣብ ሓደ መዓስከር ንዝቕመጡ ሰባት እውን ብተመሳሳሊ ዝምልከት እዩ። ብሰንኪ ኣሳልጦኣዊ ጠንቂታት ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ወጻእተኛታት (UDI) ብኸምኡ ንከሳልጦ ጥራይ ስለ ዝመረጸ`ዩ። ከምዚ ክኾነሉ ዝኸኣለ ግና ጉዳይካ ኣበር ስለ ዘለዎ ወይ ድማ ስለ ዝረሳዕናካ`ዩ ማለት ኣይኮነን።

ኣብ መሰጋገሪመዓስከር ዲኻ ትቕመት ዘለኻ፧
ቅድሚ ቃልመሕተት ምክያዱ መብዛሕቲኦም ካብ  መሰጋገሪመዓስከር ናብ ሓደ ስሩዕ መዓስከር ክግዕዙ ኢዮም፡ ከምኡ ንክኸውን ግን ርጉጽ እዩ ማለት ኣይኰንን። እዚ ንክኸውን ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ወጻእተኛታት (UDI) ኣብ ከከም ብዝሒ ክፍቲ ቦታታት ኣብተን ዝተፈላለያ መዓስከራት ዝረኸቦ ዝሙርኮስ ኢዩ። ክትግዕዝ እንተድኣ ኰይንካ፡ ሰራሕተኛታት መዓስከር መዓስን ናበይን ክትግዕዝ ከም ምዃንካ ክሕብሩኻ እዮም።
እንተድኣ ኣብ መሰጋገሪመዓስከር ትቕመጥ ኣሊኻ፡ ንቃለመሕተት ክትከይድ ከም ምዃንካ ሓደ መዓልቲ እዩ ኣቐዲሙ ዝንገረካ። ኣብተን መሰጋገሪመዓስከር ዝርዝር ኣስማት ኣብ ዝጥቅዓሉ ብምክትታል ንቃለመሕተት ክትከይድ ዲኻ ኣይትኸይድን ኣብኡ ክትርእዮ ትኽእል ኢኻ። እንተድኣ ኣብ ስሩዕ መዓስከር ትቕመጥ ኣሊኻ፡ ንቃልመሕተት እተካይደሉ ዕለት ዳርጋ ሓደ ሰሙን ቅድሚ እቲ ቃልመሕተት ኣቐዲሙ ይንገረካ።
መልሲ ሕቶ ጉዳይካ መዓስ ክመጻካ`ዩ፧
ቃልመሕተት ኣብ እተካይደሉ እዋን ንመልሲ ሕቶ ጉዳይካ ክሳብ መዓስ ክትጽበ ክትግደድ ከም ምዃናካ ብዝብል ክሕበረካ`ዩ። ተኽእሎታት ንውሒ ትጽቢት ግድን 1 ወርሒ`ዩ፡ ኣብ ገለ ገለ ጉዳያት ግን ካብኡ ዝነውሕ ግዜ ክወስድ ይኽእል`ዩ። እቲ ዝወስደሉ ግዜ ኣብ ናይ ነፍሰወከፍ ጉዳይ ንዝካየድ ዓይነታት ምምጽራያት እዩ ዝሙርኰስ
እቲ ክትጽበየሉ ትግደደሉ እዋን፡ ኣብ ኖርወይ ንክትቅመጥ ክፍቀደካን ከይፍቀደካን ብዝብል ወላ ሓንቲ ትርጉም ዘሕድረሉ ኣይኰነን። ጉዳይካ ርኢና ኣብ ዝወዳእናዮ መልእኽቲ መልሲ ንሰደልካ`ና።ገለ ካብቶም ኣብ መዓስከርካ ዘለዉ ምናልባሽ መልሲ ቅድሜኻ ይመጾምይኸውን። ጉዳይካ ኣበር ስለ ዘለዎ እዩ ማለት ኣይኰነን፡ ወይ እውን ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ወጻእተኛታት (UDI) ስለ ዝረሳዓካ እዩ ማለት እውን ኣይኰነን። እቲ ጠንቂ ኣወዳድባ ኣገባብ ኣተዓዕያ ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ወጻእተኛታት (UDI) ስለ ዝኰነ እዩ።


መልሲ ሕቶ ጉዳይካ እናተጸበኻ
መልሲ ጉዳይካ እናተጸበኻ ንቤት ጽሕፈት ጉዳያት ወጻእተኛታት (UDI) ንከይትድውልን ከይተዛኻኽርን ንምሕጸነካ። ምድዋልን ምዝኽኽእርን ንጉዳይካ ንምቅልጣፍ ዝሕግዝ ኣይኮነን። ጉዳይካ መዓስ ክውዳእ ከም ምዃኑ ብዝብል እውን ገለ ተወሳኺ ክንህቦ እንኽእል ሓበሬታትት የለን።
ብዛዕባ ትጽቢት ግዜ ክቀያየር ይኽእል እዩ። ድሕሪ እዚ ቀጺሉ ዝመጽእ ጽሑፋዊ ሓበሬታ ብዛዕባ ትጽቢት ግዜ ኣብ መወዳእታ ጥቅምቲ ክመጽእ`ዩ።
ብዛዕባ ትጽቢት ግዜ ብዝምልከት ሓበሬታ እውን ኣብ www.udi.no  ትረክብ ኢኻ።
እንተድኣ ኣብ መዓስከር  ዘይትቕመጥ ኰይንካ ኣብዚ ንክትከታተል ንምሕጸነካ፡ http://www.udi.no/ord-og-begreper/saksbehandlingstider/ for oppdatert informasjon om ventetid på intervju og saksbehandlingstid for søknader om beskyttelse.(ንዝተሓደሰ ሓበሬታታት ብዛዕባ ትጽቢት ግዜ ቃል መሕተትን ንጉዳያት ሕቶ ዑቝባን ንክርአ ዝወስደሉ ግዜ ብዝምልከት)

post signature

0 comments:

Post a Comment