Monday, January 12, 2015

ካብ 1 ጥሪ 2015 ኣትሒዙ እትኽፈሎ ገንዘብ ክውሕድ ኢዩ።









ካብ 1 ጥሪ 2015 ኣትሒዙ እትኽፈሎ ገንዘብ  ክውሕድ  ኢዩ።

ኣብ መዓስከር ንዝቕመጡ ዓበይቲ ካብ 1 ጥሪ 2015 ኣትሒዙ  ዝኽፈልዎ ገንዘብ ንክጎድል መንግስቲ ኖርወይ ወሲኑ ኣሎ።


እዚ ነዞም ዝስዕቡ ኣይምልከትን ኢዩ፡
-ቈልዑ
-በይነ ትሕተዕድመ
-ናይ መጨረስታ ግዜ ዝተነጽጉ  

 ሓድሽ ብዝሒ ኣከፋፍላ ገንዘብ ከምዚ ዝስዕብ ኢዩ፡


ንጽላት
2920
ሰብ ቃልኪዳን/መቃርብቲ
2470
ካብ 0-5 ዝዕድሚኦም -ቈልዑ
1440
ካብ 6-10 ዝዕድሚኦም -ቈልዑ
1930
ካብ 11-17 ዝዕድሚኦም- ቈልዑ
2450
ልዕሊ 18 ዝዕድሚኦ ኣካል ሓደ ሕመረት ስድራቤት ንዝኾኑ  ቈልዑ
2020
ወሰኽ በይነኣላዪ
860
በይነ ትሕተዕድመ ብዘይኣሰናዪ  ሰብ ናይ መግቢ ገንዘብ
1980
በይነ ትሕተዕድመ ብዘይኣሰናዪ  ሰብ ናይ ጁባ ገንዘብ
1350

በይነ  ትሕተ ዕድመ ብዘይኣሰናዪ ሰብ –     ብድምር

3330


ናይ መጨረስታ ግዜ ዝተነጽጉ ተቐመጥቲ

በይነ/ዓበይቲ ልዕሊ 18 ዝዕድሚኦም
1980
ሰብ ቃልኪዳን/መቃርብቲ
1590

እዚ ሰደቓ`ዚ ኣብ ንቡር መዓስከር እናተቐመጥካ ኣስፔዛ ባዕልኻ ዓዲግካ መግቢ ንእትሰርሕ ብዝሒ ገንዘብ ብክሩነር ክንደይ ከም ዝኽፈለካ ዘርኢ ኢዩ።
ብዛዕባ እዚ ሓድሽ ኣከፋፍላ ብዝሒ ገንዘብ ብዝምልከት ሕቶታት እንትኣሊዩካ   ንከባቢያዊ ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ወጻእተኛታት ተወከስ።

ምስ ሰላምታ
ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ወጻእተኛታት/UDI




post signature

0 comments:

Post a Comment